Fana: At a Speed of Life!

ንሰላምን ማዕርነትን ኣወንታዊ ግደ ዘለዎም ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብሪታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ – ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሰላምን ማዕርነትን ከምኡ እውን ንሕነታውነት ኣወንታዊ ግደ ዘለዎም ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብሪታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ፌዴሪኢ ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጃንሜዳ ኣብ ምኽባር በዓል ጥምቀት ተረኺቦም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ ኢትዮጵያ ኣዚዮም ዘኽሩዑ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብሪታት ዘለዉዋ ሃገር ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

“እዞም ባህላዊን ሃይማኖታዊን ሃፍቲታት ድማ ንሰናይ ተግባር ክንጥቀመሎም ይግባእ” ኢሎም እቶም ሚኒስትር፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውዳበ ናፃ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ እቶም ሚኒስትር፥ ትካላት ሃይማኖት እውን ካብ ፖለቲካዊ ወገናውነት ናፃ ኮይነን ንምእመናን ከገልግላ ከምዝግበአን ኣገንዚቦም፡፡

ኣቦታት ሃይማኖት ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ሃገር መናእሰይ ብሃይማኖታዊ እስተምህሮን ስነ-ምግባርን ብምህናፅ ትፅቢት ዝግበረሎም ግደ ክዋፅኡ ከምዝግባእ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ንሰላምን ማዕርነትን ኣወንታዊ ግደ ዘለዎም ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብሪታት ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ዜጋታት በዓል ጥምቀት እንተኽብሩ ብኲናት ካልኦት ዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት ሓገዝ ንኽገብሩ እቶም ሚኒስትር ሓቲቶም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.