Fana: At a Speed of Life!

ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝወሃብ ዘሎ ደገፍን ክብሪን እቲ ወፍሪ ብህፁፅ ንምዝዛም ዘኽእል ጉልበት ኢዩ- ምድብ ምብራቕ ሓይሊ ኣየር

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ህዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)መላእ ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝህቦ ዘሎ ደገፍን ክብሪን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ይካየድ ንዘሎ ወፍሪ ብህፁፅን ብዓወትን ንምዝዛም ዘኽእል ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ ዋና ኣዛዚ ምድብ ምብራቕ ሓይሊ ኣየር ኮሎኔል ኣበበ ለገሰ ኣፍሊጦም።

ኣብ ምምሕዳር ድሬዳዋ ሰበኽ ሳግም ነበርቲ ክላስተር ገፀር ጀልዴሳ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን 430 ሺሕ ብር ዝግምቶም ሸሞንተ ኣግማልን ሓደ ሰንጋን ኣበርኪቶም።

ኮሎኔል ኣበበ፥ ሀዝቢ ንሰራዊት ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምክልኻል ሃገር ብሞራል፣ ገንዘብ፣ ናውቲ፣ ሙያ፣ ልገሳ ደምን ካልኦት ደገፋትን ኣቢሉ ይሕግዝ ኣሎ።

እዚ ድማ እቲ ምኽባር ሕጊ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብዓወት ንክዛዘም ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ህዝቢ ንዝገብሮ ዘሎ ደገፈን ክብሪን ብስም እቲ ሰራዊት አመስጊኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.