Fana: At a Speed of Life!

ንሰብ ሞያታት ሕክምና ስፔሻሊቲ ስልጠና ንመሃብ ዘኽእል ፈተና ምዘና ብቕዓት ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሰብ ሞያታት ሕክምና ስፔሻሊቲ ስልጠና ንመሃብ ዘኽእል ፈተና ምዘና ብቕዓት እናተውሃበ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እቲ ፈተና 4 ሺሕን 800 ሰብ ሞያታት ሕክምና ቀዳማይ ዲግሪ ኣብ 22 ማእኸላት እናተውሃበ ከምዝኾነ ኣብቲ ሚኒስቴር ኣተሓባባሪ ዘፈር ሃፍቲ ልምዓት ሜዲካል ትምህርቲ ኣይተ መሓመድ ቴኒ ገሊፆም።

ፈተነኦም ብብቕዓት ዝሓልፉ 1 ሺሕ ሓኻይም ኣብ 22 ዓውዲታት ትምህርቲ ሕክምና፣ ኣብ 16 ትካላት ሕክምና ድማ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርቶም ንኽከታተሉ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ስፔሻሊቲ ስልጠና ሓይሊ ሰብ ኣብ ዘድሊዮም ኣውዲታት ትምህርቲ ዝወሃብ ከምዝኾነ ካብ ዘ,ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ፕሮግራም፥ ሚኒስቴር ጥዕና ፅሬትን ተበፃሕነትን ግልጋሎት ሕክምና ንምምሕያሽ ካብ ዝገብሮም ፕሮግራማት ሓደ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.