Fana: At a Speed of Life!

ንሸሞንተ ኣዋርሕ ተኣጓጊሉ ዝነበረ ዝርገሐ መስመር ባቡር ኣዋሽ – ኮምቦልቻ – ሃራ ገበያ ምስራሕ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ምስ ክፍሊት ካሕሳ ተተሓሒዡ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ተኣጓጊሉ ዝነበረ ዝርገሐ ፕሮጀክት መስመር ባቡር ኣዋሽ – ኮምቦልቻ – ሃራ ገበያ ፀገሙ ተፈቲሑ ስርሑ እናቐፀለ ከምዝኾነ መካየዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኢንጂነር ኣብዱልከሪም መሓመድ ገሊፆም።

ኣካል እቲ ፕሮጀክት ዝኾነን ብፀገም ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀቱ ተዛዚሙ ብዘይ ኣገልግሎት ዝፀንሐ መስመር ባቡር ኣዋሽ – ኮምቦልቻ ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ንምጅማር እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

እቶም መካየዲ ስራሕ፤ ብኽልተ ምዕራፋት እናተሰርሐ ዝርከብ 390 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መስመር ምድሪ ባቡር ኣዋሽ – ኮምቦልቻ – ሃራ ገበያ ዝርግሕኡ ኣብ 2007 ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብ መወዳእታ 2012 ዓ.ም ንምዝዛም ተሓሲቡ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ዝርገሐ መስመር ባቡር እቲ ፕሮጀክት ብምኽንያት ምንዋሕ እዋን ተወሳኺ ወፃ ከየሓትት መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ፕጀክት መስመር ኣዋሽ – ኮምቦልቻ – ሃራ ገበያ፥ ህንፀት 51 ድልድላትን 12 በዓልቲታትን ዘካተተ ምዃኑ እቶም መካየዲ ስራሕ ኣፍሊጦም።

እቲ ፕሮጀክት ብ1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዝህነፅ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.