Fana: At a Speed of Life!

ንቀዳማይ ሚኒስትርን ሃገራዊ ለውጢን ዝድግፉ ህዝባዊ ሰልፊታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ደቡብ ተኻይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሓዊሱ ንቀዳማይ ሚኒስትርን ሃገራዊ ለውጢን ዝድግፉ ህዝባዊ ሰልፊታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ደቡብ ተኻይዶም።

ኣብ ከተማ ሃዋሳ፣ ኣብ ዞባ ጋሞ ከተማ ኣርባምንጭን ኣብ ዞባ ሃዲያ ከተማ ሆሳዕናን ሃገራዊ ለውጢን ቀዳማይ ሚኒስትር እናሃቡዎ ዝርከቡ ኣመራርሓን ዝድግፉ ህዝባዊ ሰልፊታት ሎሚ መዓልቲ ተኻይዶም ኣለዉ።

ኣብ ሃዋሳ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ክልል ሲዳማ ዝተውፃእፅ ክፋላት ማሕበረሰብ እውን ተረኺቦም።

ኣብቶም ዝተኻየዱ ሰልፊታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ እናሃቡዎ ዝርከቡ ጥንኩር ኣመራርሓ ኣብታ ሃገር ይምዝገበ ዘሎ ለውጢ ዝድግፉ መልእኽቲታት ተመሓላሊፎም፡፡

እቲ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ኣብ ዓውዲታት ዲፕሎማሲ፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንዝተመዝገቡ ለውጢታት ኣፍልጦ ንመሃብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.