Fana: At a Speed of Life!

ንኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ዞባ ፌዴራል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ዞባ ፌዴራል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ።

እቲ ስልጠና ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጢ መሓውር ፌዴራል ካብ ሚኒስትር ክሳብ ምክትል ዳይሬክተር ዘለዉ ልዕሊ 420 ኣመራርሓታት ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ሓላፊ ዘፈር ጉዳያት ፓርቲታትን ሲቪክ ማሕበራትን ዶክተር ኣለሙ ስሜ ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት ከምዝበሉዎ፥ እቲ ስልጠና ለውጢ ብምቕፃል ሃገራዊ ምዕባለ ንምግሃድ ዘኽእል ዓቕሚ ንምፍጣር ዝዓለመ ኢዩ።

ኩሉ ኣመራርሓ ንፁር ኣተሓሳስባ ሒዙ ንናይ ሓባር ዕላማ ብሓባር ክሰርሕ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ብተመሳሳሊ ዜና ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣዲስ ኣበባ እውን ንላዕለዎት ኣመራርሓታት እታ ከተማ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልቱታት ቀዳማይ ር ስልጠና ይወሃብ ኣሎ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ስልጠና ዝተረኸባ ክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ብቕዓት ዘለዎ ኣመራርሓ ንምፍራይ ካብ ፅባሕ ለውጢ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት እናተውሃበ ምፅሑ ገሊፀን።

እቲ ኣመራርሓ ዝተፈላለዩ ፀገማት እናሰገረ ንሕብረተሰብ፣ ንመንግስቲን ፓርቲን ዝጠቕሙ ተግባራት ንኽፍፅም መሰል መዕበዪ ዓቕሚ ስልጠና ተጠናኺሩ ከምዝቕፅ ኣብሪሀን።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ስልጠና ኣብ ክልተ ክላስተራት ን914 ኣመራርሓታት ዝወሃብ እንትኸውን፥ ኣብ ቀፃሊ ድማ ንኻልኦት ኣመራርሓታት እታ ከተማ ክወሃቦም ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.