Fana: At a Speed of Life!

ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ካብ ዘድሊ 255 ሺሕ ኪሎ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ እናቐረበ ዝርከብ 68 ሺሕ ኪሎ ዋት ጥራሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ካብ ዘድሊ 255 ሺሕ ኪሎ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ እናቐረበ ዝርከብ 68 ሺሕ ኪሎ ዋት ጥራሕ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ገሊፁ።

ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ምስ ቀረብ ሓይሊ ዘለዉ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዛቲዩ።

እቲ መድረኽ ዘተ ዝኸፈቱዎ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል÷ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ካብ ወፃኢ ንዘኣትዉ ፍርያታት ዝትክኡ ብዙሓት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ምፍራይ ከምዝተኸኣለ ኣብሪሆም።

ካብ ወፃኢ ሃገራት ካብ ሞንጎ ዝመፅኡ ሰብ ሃፍቲ÷ 60 ሚኢታዊ ዝኾኑ ኣብ ዘፈር ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝተዋፈሩ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ነቲ ዓውዲ ብዝተውሃቦ ኣድህቦ መሰረት ብምግባር÷ ኣብ ምምላእ መሰረተ ልምዓታትን ዕድል ዕዳጋን ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር እውን ልዑል ተሳትፎ እናገበሩ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዘድልዮም ሓፈሻዊ ቀረብ ሓይሊ 255 ሺሕ ኪሎ ዋት እንትኸውን÷ ሕዚ እናቐረበ ዝርከብ ሓይሊ ግን 68 ኪሎ ዋት ጥራሕ ከምዝኾነ ኣይተ መላኩ ገሊፆም፡፡

ኬብላት ኤሌክትሪክን ትራንስፎርመራትን ብእኹል ብምፍራይ ስራሕቲ ምትካእ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ዕቤት ዘመዝገበ ዘፈር ምፍራይ ኣብዚ ዓመት ድማ ብ10 ነጥቢ 6 ክዓቢ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

ብመሳፍንት እያዩን ዘመን በየነን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.