Fana: At a Speed of Life!

ንፀላእትና ብፀጋማይ ኢድና እናሓለና ብየማናይ ኢድና እናሰራሕና ክኸውን ኣለዎ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ፕሮጀክት መገዲ ሞጆ-መቂ-ባቱ መሪቖም ከፊቶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሃገርና እንሃንፃ ንፀላእትና ብፀጋማይ ኢድና እናሓለና ብየማናይ ኢድና እናሰራሕና ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተዛሪቦም።

ሐዚ ብዘለዉ ፈተናታት ተስፋ እንተይቆረፅና ንፀላእትና ተስፋ እናቑረፅናን ሪቫን እናቖረፅናን ክንቅፅል ኢና እውን ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ብዙሓት ፀገማ ብምርኣይ ዜጋታት ነቲ ለውጢ ንክጠራጠርዎ ገይሩዎም ኢዩ እውን ኢሎም።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቐ ፕሮጀክት መገዲ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዝተመረቐ መገዲ ሞያሌ- ሃዋሳ ብምዃን ንምዕባለ ኢኮኖሚ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ንክዕወት ሓገዝ ፋይናንስ ንዝገበሩ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ባንኪ ኤግዚም ኮርያን አመስጊኖም።

ሚንስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ብግደአን፥ ድሕንነት እቲ መገዲ ኣብ ምሕላው ነበርቲ እቲ ከባቢ ግደኦም ክዋፅኡ ሓቲተን።

እቲ ፕሮጀክት 92 ኪሎ ሜትሮ ነውሓት ዘለዎ እንትኸውን፥ ካብ ሞጆ-መቂ 56 ነጥቢ 4 ኪሎ ሜትር፣ ካብ መቂ ባቱ ዘሎ ድማ  37 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ኢዩ።

ነቲ መገዲ ብድምሩ 6 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረሉ እውን ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝግበር ምትእስሳር ሓደ ኣካል እንትኸውን፥ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ንዘለዋ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ልዑል ግህድ ክህልዎ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ጅቡቲ ወደብ ተንጠልጢሉ ዝነበረ ምንቅስቓስ ኣማራፂ ፍሪያት ወፃኢን ኣታዊን ኢትዮጵያ ብምስፋሕ ወደብ ለሙ ብዝግባእ ንክትጥቀም እቲ ፕሮጀክት ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

እቲ መገዲ ናይ ኣዲስ ኣበባ – ሞያሌ – ናይሮቢ – ሞምባሳ ከምኡ ውን 10 ሺህ ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ካብ ካይሮ ተበጊሱ ደቡብ ኣፍሪካ ኬፕታውን ዝበፅሕ ምትእስሳር መገዲ ሃይዌይ ትራንስ ኣፍሪካ ሓደ ኣካል ኢዩ ተባሂሉ።

ቀፃሊ ክፋል ህንፀት እቲ መገዲ ዝኾነ ህንፀት መገዲ ባቱ-ኣርሲ-ነገሌ-ሃዋሳ ይሳለጥ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.