Fana: At a Speed of Life!

አምባሳደር ተፈሪ መለሰ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ እንግሊዝ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብሪታኒያ አምባሳደር ተፈሪ መለሰ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ እንግሊዝ ጀምስ ዱድሪጅ ተዛቲዮም።

ኣብዘተኦም ድማ ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ከምኡ እውን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ብዛዕባ ዝርከብ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምምሕያሻት ኣመልኪቶም እውን ተዛቲዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ዝርከበሉ ብርኪ ዝምልከት ልዝብ ገይሮም ኢዮም።

ኣምባሳደር ተፈሪ፥ኣብ ክልል ትግራይ እናተገበረ ብዛዕባ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝን ዓለም ለኸ ትካላት ሚዲያ ኣብቲ ክልል ዘለዎም እዋናዊ ተበፃሕነት ገለፃ ገይሮም።

ምስ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ተተሓሒዙ እናተጋወሐ ዝርከብ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምክልኻል ዝህልዎ ረብሓ ዝምልከት እውን ገለፃ ገይሮምሎም ኢዮም።

ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ምፅራይ ከምዝግበርን ኣብቲ ጉዳይ ተሳቲፎም ዝተብሃሉ ኣካላት ተሓተትቲ ከምዝኾኑን ኣረጋጊፆምሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.