Fana: At a Speed of Life!

ኢሬቻ ብዓሌት፣ ፆታ፣ ሃይማኖትን ካልኦት መለክዒታትን ብዘይ ኣድልዎ ኩሉ ሰብ ፈጣሪኡ ዘመስግነሉ በዓል ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢሬቻ ብዓሌት፣ ፆታ፣ ሃይማኖትን ካልኦት መለክዒታትን ብዘይ ኣድልዎ ኩሉ ሰብ ፈጣሪኡ ዘመስግነሉ በዓል ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ ኢሬቻ ካብ ኢትዮጵያውያን ሓሊፉ ዓለም ለኸ በፃሕቲ ክስሕብ ዝኸኣለ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኢሬቻ ብዓሌት፣ ፆታ፣ ሃይማኖትን ካልኦት መለክዒታትን ብዘይ ኣድልዎ ኩሉ ሰብ ፈጣሪኡ ንምምስጋን ዝወፅአሉ በዓል ከምዝኾነ ኣብ ምልእኽቶም ገሊፆም።

“ብምዃኑ እቲ በዓል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩሎም ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብሓባር ዘኽቡሩዎ ስርዓት ኮይኑ ኢዩ” ኢሎም።

ኢትዮጵያውያን ከም ሃገር ብወግዒን ባህሊን ክብሪታትን ዝማዕበሉ ህዝቢታት ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ምክእኣልን ሓቢርካ ምንባር ዘበረታትዑ ብዙሓት ባህላዊን ሃይማኖታዊ ስርዓታት ከምዘለዉዎም እውን ገሊፆም።

ኢሬቻ ዝፈልጥ ሰብ÷ ቂም ሓዲጉ ሰላም ይሰብኽ÷ ሓድነትን ሰላምን ምትሕብባርን ሕውነትን ከምዘጠናኽር ገሊፆም።

ኢሬቻ ዝፈልጥ ሰብ ካብ ፈጣሪ ዝረኸቦ ዝኸበረ ህያብ ኣፍልጦ ከምዝህብ፣፤ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ ሓድነትን ሓቢርካ ምንባርን እናድነቐ ፈጣሪኡ ከምዘመስግንን እውን ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.