Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስምምዕነት ልቓሕ 200 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስምምዕነት ልቓሕ 200 ሚሊየን ዶላር (ብር 8 ነጥቢ 4 ቢሊየን) ተፈራሪሞም።

እቲ ናይ ልቓሕ ገነንዘብ ብዋንኡ ኢትዮጵያ ኣብ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ንዝሃቀነቶ ሰፊሕ ሽቶ ልምዓት ኣገዳሲ ዝኾነ ኣካታቲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ተግባራዊ ንምግባር ዝውዕል እንትኸውን፥ እዚ ድማ ኣብ ዓውዲ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ኮሚዩኒኬሽንን ስራሕ ብምፍጣርን ዘፈር ውልቀ ብምልዓል ስትራቴጂክ ዲጂታል ኢኮኖሚ ጋህዲ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ፕሮጀክት ዲጂታል ፋውንዴሽን ኢትዮጵያ ዝብል ስያመ ዝተውሃቦን እቲ በቲ ልቓሕ ክትግበር ዝተሓሰበ ፕሮጀክት፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 21 ሚያዝያ 2021 ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2026 ንሓሙሽተ ዓማውቲ ዝዘልቕ ከምዝኾነ ካብ ሚኒሰስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቀንዲ ዕላማ እቶም ፕሮጀክታት ሰለስተ እንትኾኑ፥ ንሳቶም እውን ኣካታታይነት ዲጂታል ቴክኖሎጂ፣ ተመጣጣይነት ዋጋ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ዲጂታል ፈጠራ ስራሕን ኢዮም፡፡

እቲ ስምምዕነት ልቓሕ ብወገን ኢትዮጵያ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝፈረሙዎ እንትኾኑ፥ ብወገን ባንኪ ዓለም ድማ ተፀዋዒ ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ኦስማን ዲዮን ፈሪሞምዎ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.