Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስምምዕነት ሓገዝ 137 ነጥቢ 35 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስምምዕነት ሓገዝ 137 ነጥቢ 35 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪሞም።

ዝቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ወይዘሪት ያስሂን ወሃብራቢን ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኦስማን ዲዮን ተፈራሪሞምዎ።

ዓለም ለኸ ምሕዝነት ንትምህርቲ ብዝበሃል ማዕቐፍ ኣቢሉ ዝተገበረ ስምምዕነት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚ እቲ 14 ነጥቢ 85 ሚሊየን ዶላር ኮቪድ19 ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዘብፀሖ ፅዕንቶ ምላሽ ንመሃብ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብዚ ድማ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ተቛሪፁ ዝነበረ ትምህርቲ ከምብሓዱሽ ክቕፅልን ኣብ ቀፃሊ እውን ካብቲ ቫይረስ ንምንስዕራር ዝግበር ፃዕሪ ብምሕጋዝ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ዝስርሑ ተግባራት ንምሕጋዝ ዝውዕል ኢዩ፡፡

እቲ ዝተረፈ 122 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ተበፃሕነት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ዝውዕል ከምዝኾነ ኣብ እዋን እቲ ስምምዕነት ተገሊፁ፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.