Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ቼክ ሪፐብሊክን ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ምትሕብባረን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ገይረን፡፡

እቲ ዑደት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቼክ ሪፐብሊክን እናተጠናኸረ ዝመፅአ ክልተኣዊ ርክብ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም እውን ነምጥንኻር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እተን ሚኒስትር ምስ ሚኒስትር ባህሊ ቼክ ሪፐብሊክ ማርቲን ባክሳ ኣብ ዝገበረኦ ዘተ÷ ቀዳማይ ሚኒስትራት ክልቲአን ሃገራት ዝተዛተዩሎም ዛዕባታት ናብ ተግባር ንምልዋጥ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዓውዲ ህንፀት ዓቕሚ፣ ብሄራዊ ሙዚዬማት ንምዝማን ኣብ ዝግበር ፃዕሪን ዝተፈላለዩ እኩባት ሙዚዬም ብግዚያዊ ኤግዝቢሽን መልክዑ ብልውውጥ በቢሃገራቱ ንምርኣይን ሓቢርካ ንምስራሕን ተስማዕሚዖም፡፡

ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ካብዚ ብተወሳኺ÷ ምስ ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ሙዚዬም ቼክ ሪፐብሊክ ሚካኤል ሉኬስን ዳይሬክተር ሳፋሪ ፓርክ ዲቩር ክራሎቬ ፕሪሚስል ራባስን ከምዝተዛተያ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.