Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኣልጀሪያን ምትሕብባረን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ኣልጀሪያን ክልተኣዊ ርክበን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጀሪያ ኮይኖም ዝተሸሙ ኣይተ ነቢያት ጌታቸው ምስ ኣምባሳደር ኣልጀሪያ ኣብ ኢትዮጵያን ቀዋሚ ተፀዋዒ ሕብረት ኣፍሪካን ዝኾኑ ኤልሃምዲ ሳላሕ ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ተመያይጦም።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ምትሕብባረን ምጥንኻር ኣብ ዝኽእላሉ ዛዕባታት ኣተኲሮም እውን ተዛቲዮም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.