Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ ምትሕብባር ልምዓት 230 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ ምትሕብባር ልምዓት 230 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣይተ ኣድማሱ ነበበን ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሴያን ጆንስን ክታሞም ኣንቢሮሙሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና፣ ግብርና፣ ትምህርቲን፣ ምዕባለ ኢኮኖሚን ሰናይ ምምሕዳርን ንእትገብሮ ምምሕያሽ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሴያን ጆንስን ኣብ እዋን ምንባር ክታም፥ ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ሽርክና ዝሕድስ ስምምዕነት ብምፍራምና ደስታ ይስምዐና ኢሎም።

እቲ ስምምዕነት ካብ ገንዘብ ንናዕሊ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንቡዙሓት ዓመታት ዝፀንሐ ሓድነት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘጠናኽርን ብሓባር ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝሕግዝን ኢዩ እውን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.