Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኦስትሪያን ኣብ ዘፈር መዓድን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኦስትሪያን ኣለሻ መዓድን ሓዊሱ ተተሓሓዝቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን፡፡

ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር ) ምስ ኣምባሳደር ኦስትሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ሲሞን ኬናፕ (ዶ/ር) ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልምዓትን ኣለሻን መዓድን፣ ህንፀት ዓቕሚን ስልጠናን፣ ቴክኖሎጂን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም፡፡

ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር) ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ነተን ኣምባሳደር መብርሂ ምሃቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እተን ኣምባሳደር ብግደአን÷ ኩባኒያታት መዓድንን መንግስቲን ሃገረን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብሓባር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፀን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.