Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ካብ ሸመታ ናብ ኣፍራይነት ንምሽግጋር ኩሉ ሰብ ክረባረብ ይግባእ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተተካእቲ ፍሪያታት ብምፍራይ ኢትዮጵያን ካብ ሸመታ ናብ ኣፍራይነት ንምሽግጋር ኩሉ ሰብ ክረባረብ ይግባእ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ቤት ዕዮ 4 ጳጉሜን ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ኣፍራያይነት ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፎ መልአኽቲ፥ ንኩለ መዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጉልበቶምን ሃፍቶምን በምፍሳስ ሃገርና ካብ ሸመታ ናብ ኣፍራይነት ንምሽግጋር ብሙሉእ ዓቕሞመን ፍልጠቶምን ዝሰርሑ ዘለዉ ኣፍረይቲን እሙናት ከፈልቲ ግብሪን አመስጊኑ።

ኢትዮጵያ ናይ ትጉህ ኣፍራዪ ሃገር ኢያ ዝበለ እቲ ኣገልግሎት፥ ትርፊ ኣፍሪዮም ንዕዳጋ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘቕርቡ፣ ኣብ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ተዋፊሮም ፍሪያቶም ዘቕርቡን ገብሪ ብተኣማንነት ብምኽፋል ሃገር ንምሽጋር ታሪክ ዝሰርሑ ዘለዉ ዝተመስገኑ ኣፍረይቲ ምፍጨጣር ተጀሚሩ ኣሎ ኢሉ።

ሃገርና ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓማውቲ ብዝተፈላለዩ ፈተናታት እንተሓለፈት እውን፥ ብርቱዓት ኣፍረይቲ ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ስለ ዘለውዋ ፍሪያታት እንስሳን እኽሊን ኣዝዩ ክብ ኢሉ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ዝተፀንዑ  ፖሊሲ ስጉምቲታት ለውጢታት ብምግባር ገብርናና ዝነኣድ ምዕባለ ኣርኢዩ ኢዩ ክብል ገሊፁ።

ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ከተማን ገፀርን ብመሰረት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ግበርና ዘዕግብ ውፅኢት ኣብ ምርካብ ሸርፊ ወፃኢ፣ ልምዓት ስርናይ መስኖ ሓጋይ፣ ኣትክልትን ፍራምረን ልምዓትን ቀረብ ግብርና ሜካናይዜሽንን እወንታዊ ኣፈፃፅማ ከምዝተርኣየ ሓቢሩ።

እቲ ውፅኢት ዝተመዝገበ ብሓያላት ሓረስቶትን ኣብ ዓውዲ ገበርና ዝተዋፈሩ ኣመራርሓን ከምዝኾነ ገሊፁ።

ብኩታ ገጠም ብልሓት ምሕራስ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ሓረስቶት ዝሓሸ ፍሪያት ከምዘፍረዩ እውን ሓቢሩ።

ስርናይ ኣብ እዋን ሓጋይን ክራማትን ምብቃል ምጅማሩ ኣብ ሃገርና ንፈለማ እዋን ፍሪያት ንወፃኢ ዓዲ መልኣኽ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሉ።

ብመሰረት እዚ ዝተረኸበ ውፅኢት ኢትዮጵያ ካብ ስርናይ ሸመታ ናብ ኣፍራይነት ከምዘሸጋገራ ሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.