Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኬንያን ብዝተፈላተለዩ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኬንያን ድሕንነት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላተለዩ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ሓበራዊ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፀሓፊ ካቢኔ ጉዳያት ዳያስፖራን ኬንያ ሙሳሊያ ሙዳቫዲ ተፈራሪሞምዎ።

እቲ ስምምዕነት÷ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካን ድሕንነትን፣ ቱሪዝም፣ ባህሊ፣ ኣብ ”ብሉ ኢኮኖሚ”፣ ሕርሻን ሃፍቲ ዓሳን፣ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም፣ ፐብሊክ ሰርቪስን ህንፀት ዓቕሚን ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ኢዩ ተባሂሉ።

ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ታሪኻዊን ባህላዊን ምትእስሳር ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ምስምዕመዐን ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.