Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ዓለም ለኻዊ ፈንድ ልምዓት ግብርናን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ ገንዘብ 305 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ዓለም ለኻዊ ፈንድ ልምዓት ግብርናን(ኢፋድ) ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ ገንዘብ 305 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጣሊያን ወይዘሮ ዘነቡ ታደሰን ፕሬዚዳንት ጊልበርት ሆንጉቦን ክታሞም ኣምቢረሙሉ።

እቲ ደገፍ ገንዘብ ብምኽኒያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝተጠቕዑ ኣብ ዝተፈለለዩ ከባቢታት ገፀር ዝርከቡ ልዕል 13 ሚሊየን ሓረስቶት ንምሕጋዝ ከምዝውዕል ተገሊፁ።

ነቶም ሓረስቶት ናይ ገንዘብን ዝተፈላለዩ ንዋታትን ደገፍ ብምግባር ድኽነት ካብ ምቕናስ ብተወሳኺ ምምዝባል ደው ንምባል ዝሕግዝ ኢዩ እውን ተባሂሉ።

ከምኡ እውን ዓቕሚ ትካላት ገንዘብ ክብ ብምባልን ኣገልግሎት ኣቕርቦት ገንዘብ ብምምሕያሽ ትሑት ዓቕሚ ንዘለዎም ሓረስቶት ድልየቶም ንምምላእ ዘኽእል ኢዩ።

ብፍላይ ደቂ ኣኒስቲዮን ህፃናትን ተረባሕቲ ንምግባር ከምዝስራሕ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.