Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ስምምዕነት ሓገዝ 10 ሚሊየን ዶላር ፈፂመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ፍርያት ወፃኢ ሕርሻ ንምብርትታዕ ስምምዕነት ሓገዝ 10 ሚሊየን ዶላር ገይረን።

ብትካል ዓለም ለኸ ምትሕብባር ደቡብ ኮሪያ (ኮይካ) ኣቢሉ ዝገበሮ ሓገዝ ኣብ ዝተመረፁ ዓውዲታት ማለት እውን ቡን፣ ቅመማ ቅመም፣ ቆፅሊ ሻሂ፣ ፍረምረን ውፅኢታት ፀባን ዝውዕል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኮይካ ካብ ዝሓዞም ፕሮጀክታት ፍርያት ሕርሻ ብርኪ ፅሬት ቁፅፅር ምምሕያሽ ሓደ እንትኸውን÷ በዚ ድማ ግልጋሎት ብሄራዊ መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ንኽክብ ዝዓለመ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣታዊ ወፃኢ ንግዲ ምዕባይ፣ ተካእቲ ፍርያታት ምውሳኽ፣ ትሕቲ ደረጃ ዝኾኑ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ንምንካይን ፍርያት ማኑፋክቸሪንግ ኣብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ፍርያት ዘለዎ ብፅሒት ንምምሕያሽ ዝዓለመ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.