Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ሩሲያን ናይ ሓባር ፎረም ንግዲ ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ) “ቢዝነስ ፎረም ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ሩስያን” ብዝብል ርእሲ ኣብ ጉዳያት ንግዲ ዘድሃበ መድረኽ ኣብ ሞስኮ ተኻይዱ።

ኮሚቴ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኣፍሪካ (AFROCOM)ን ቤትምኽሪ ማሕበራት ዘፈር ንግዲ ሩሲያን ብምትሕብባር ዘሰናድእዎ እቲ መድረኽ ዘተ ብበይነመርበብ ተኻይዱ።

ተወከልቲ ኣብያተ-ምኽሪ ኢትዮጵያን ጅቡቲን፣ ሚኒስትራት፣ ኣምባሳደራት ፌዴሬሽን ሩሲያ ኢትዮጵያን ጅቡቲን፣ ኣብ ሩሲያ ኣምባሳር ኢትዮጵያ ኣለማየሁ ተገኑን ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብቲ ፎረም ተሳቲፎም።

ኣብቲ ዘተ ብወገን ኢትዮጵያ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ፤ ቤትምኽሪ ማሕበራት ዘፈር ንግዲ ኢትዮጵያን ሓለፍቲ ስራሕ ማሕበር ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያን መብርሂ ሂቦም።

እቲ ፎረም ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ንግዲ ሩሲያ ተሞክሮ ድሕሪ ምውሳድ ግንዛበ ብምፍጣር፤ዓቕሚ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ብግልፂ ንምርኣይ ከምኡ እውን ክልቲኣዊ ርክብ ንግድን ኢኮኖሚን ብምምሕያሽ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ እውን እዩ ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ብኣሰናዳእነት ኮሚቴ ምትሕብባር ናብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ንዝግበሩ ንግዳዊ ምትእስሳርን ምልውዋጥን  ከም መበገሲ ከምዝኸውን እውን እዩ ተጠቒሱ።

መተሓባበሪ ኮሚቴ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ኣብ ክልቲኤን ማእከላት ድጋፍ ንግዲ ሩሲያ ንምጥያሽ እናተዳለወ ምዃኑ እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.