Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሃፍቲታት ተፈጥሮኣ ኣልሚዓ ናይ ምጥቃም መሰል ኣለዋ – ፕሮፌሰር ተስፋየ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሉዓላዊ ግዝኣታ ዝርከብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣልሚዓ ናይ ምጥቃም ሙሉእ መሰል ከምዘለዋ መምህርን ተመራማሪን ማእኸል መፅናዕቲ ኣፍሪካን ጂኦፖለቲካን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ተስፋየ ታደሰ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሩባ ኣባይ ዝተፈላለዩ መፅናዕቲታት ዝገበሩ ፕሮፌሰር ተስፋየ፥ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ሩባ ኣባይ ኣድሂቡ ግብፂን ሱዳንን ዝሓዘኦ ቅዋም ዝተሰሓሓተ ኢዩ ኢሎም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኢትዮጵያ ሃፍቲታት ተፈጥሮኣ ንኻልኦት ብዘይጎድእ መልክዑ ንምጥቃም ትገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ዝኾነት ትኹን ሉኣላዊት ሃገር ዘለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዘይዝኾነ ይኹን ከልካሊ ኣልሚዓ ናይ ምጥቃም ሙሉእ መሰል ከምዘለዋ ዝገለፁ እቶም ፕሮፌሰር፥ ኢትዮጵያ እውን ሩባ ኣባይ ብምግዳብ ንኻልኦት ብዘይጎድእ መልክዑ ክትግልገለሉ ከምትኽእልን እዚ ንምግባር ሙሉእ መሰል ከምዘለዋን ተዛሪቦም፡፡

ታሕተዎት ማፋስስቲ ሃገራት ሱዳንን ግብፂን፥ ቅድሚ ሕዚ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይ ብዝምልከት ረብሓ ኢትዮጵያ ብዘይምሕላው ዝተፈላለዩ ስምምዓት ምግባረን ገሊፆም።

መራሕቲ ግብፂ ብተደጋጋሚ ካብ ብፅሒትና ሓንቲ ንጣብ ማይ ክንከአና ኣይንፈቅድን እንትበሉ ከምዝስማዕ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ተስፋየ፥ እተን ሃገራት ብፅሒትና ዝብለኦ ዝተሰሓሓተ ውፅኢት ሓሳብ ከምዝኾነ ምብረሆም ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.