Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ “ማእኸል ኢኖቬሽን ኣፍሪካ” ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) “ሓዳሽ ማእኸል ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ንዳህስስ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ሰብ ሃፍቲ ኣሜሪካን ዝተሳተፍሉ “ቨርቺዋል” ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ብዝምልከቶም ኣካላት ቀሪቡ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣይተ ፍፁም ኣረጋ፥ መንግስቲ ምቹው ከባቢ ንግዲ ንምፍጣርን ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ንምስሓብን ዝተፈላለዩ መመሓየሽታት ሕጊ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ብዓውዲ ውልቀ ዝምራሕ ኢኮኖሚ ንምህናፅ እውን መመሓየሺ ሕጊ ንግዲ ከምዝተገበረን ኣዋጅ ኢንቨስትመንት ከምዝወፅአን ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣሕመዲን መሐመድ፥ ኢትዮጵያ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘኽእላ መመሓየሽቲ እቲ ዓውዲ ብምግባር መሰረት ዲጂታል እናንበረት ከምዝኾነት ገሊፆም።

ኢትዮጵያ “ማእኸል ኢኖቬሽን ኣፍሪካ” ንምግባር ትልሚ ዘለዎ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም ዝብል ካብ ሚኒስቴር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.