Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ሕቡራት  ኢሚሬትስ ዓረብ ዘለዋ ኩሉ መዳይ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሕቡራት  ኢሚሬትስ ዓረብ ዘለዋ ኩሉ መዳይ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ኢትዮጵያን ሕቡራት  ኢሚሬትስ ዓረብን ብዓውዲታት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ከልቲኣዊ ርክብ ንምጥንኻር ዝዓለመ ሰትራቴካዊ ርክብ ምምስራተን እወን ተዛሪበን።

ኢትዮጵያ መዋዕለ-ንዋዮም ኢንቨስት ንምግባር ኣካላት ገና ዘይተተንከፉ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ከምዘለውዋ እቶም ቀዳማይ ሚኒሰተር ሓቢሮም።

ሕቡራት  ኢሚሬትስ ዓረብ ፅኑዕን ዘላቕነት ተሓታትነት ዝዓሰሎን ዓለም ለኸ ትካል ብምህናፅ ዘመዝገበቶ ዓወት ንኢትዮጵያ ምልዕዓል ከምዝፈጥረላ ድማ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅልፅም ስትራቴጂያዊ ኢንቨስትመንት ዝኾነ “ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ” ኣብ ሕቡራት  ኢሚሬትስ ዓረብ ምስ ዝርከቡ ብዙሓት ኣልማዕቲ ነትካላት ብቕርበት ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ምስ እቶም ትካላት ኣብ ዓውዲ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ሀንፀት መንበሪ ኣባይቲን ግብርናን በምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎ ድማ ኣብሪሆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝነገሰ ባህጊ ምትእምማን፣ ምክብባርን ብሓባር መዕባይን ብዙሓት ውፅኢታት የፍሪ ኣሎ፤ እዚ ሽርክና ከምዝቕፅልን ዝሰፍሕን ኣይጠራጠረን” ክብሉ ሰናይ ድልየቶም ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.