Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ሩሲያ ዘለዋ ርክብ ብምጥንኻር ሓይሊ ምክልኻላ ዘመናዊ ናይ ምግባር ድሌት ኣለዋ – ኣምባሳደር ኣለማየሁ ተገኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሩሲያ ዘለዋ ርክብ ብምጥንኻር ሓይሊ ምክልኻላ ዘመናዊ ናይ ምግባር ድሌት ከምዘለዋ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ኣይተ ኣለማየሁ ተገኑ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ምስ ሩሲያ እትገብሮ ምትሕብባር ብምጥንኻር ሓይሊ ሰራዊት ምክልኻላ ብፍላይ ኣብ ምሕላው ሰላምን ምክልኻል ተግባር ግብረ ራዕዲን ዘመናዊ ናይ ምግባር ድሌት ከምዘለዋ ኢዩ።

ክልቲአን ሃገራ ቅድሚ ሕዚ እብ ምልክልኻል ሰራዊት ዘድሃበ ዕዉት ክልተኣዊ ዘተ ምክያደን ዝገለፁ ኣምባሳደር ኣለማየሁ፥ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ወርሒ ሕዳር ተመሳሳሊ ዘተ ከምዘካይዳ እውን ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ኣብቲ ከባቢ ዝማዕበለ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ምዕቃብ ሰላምን ምክልኻል ግብረ ራዕዲን እናሰርሖም ዝርከብ ስራሕቲ ብዝምልከት ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሩሲያ ዝተሳለጠ ክልተኣዊ ኣኼባ ምትሕብባር ሰራዊት መክልኻል ሃገር ኢትዮጵያን ሩሲያን፥ ዕዉትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣብ ስምምዕነት ዝተበፅሐሉ ከምዝነበረን ብምግላፅ ተመሳሳሊ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሃየድን ገሊፆም።

ኣብ እዋን እቲ ዝተሳለጠ ኣኼባ፥ ኢትዮጵያ ካብ ሩሲያ ዝዓደገቶ መከላኸሊ ኣየር ስርዓት ሚሳኤል ፓንትሲር ኤስ 1 ካብ ሞስኮ ምርካባ ስፑትኒክ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.