Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ስርዓት ኣገልግሎት ሎጅስቲክስን ትራንስፖርትን ዘመናዊ ንምግባር ትሰርሕ ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጥሪ ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ስርዓት ኣገልግሎት ሎጅስቲክስን ትራንስፖርትን ዘመናዊ ንምግባር ትሰርሕ ከምዘላ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣብ ዳቮስ ኣብዝካየድ ዘሎ ፎረም ኢኮኖሚክ ስርዓት ኣገልግሎት ሎጅስቲክስን ትራንስፖርትን ብዝምልከት
ዓለም ለኻዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፋ ኣይተ ደመቀ፥ ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ምትእስሳር ንምፍጣር ዓሊማ ስርዓት ኣገልግሎት ሎጅስቲክስን ትራንስፖርትን ዘመናዊ ንምግባር ትሰርሕ ከምዘላ ሓቢሮም።

መንግስቲ ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ንምጥንኻር ጭቡጥ ለውጢ ዘምፅኡ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ የካይድ ምህላዉ ድማ ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ምስ ዝተፈላለያ ክፍላተ ኣህጉራት ጠንካራን ተወዳዳሪን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንምፍጣር ዘኽእል ደረጀኦም ዝሓለዉ መሰረተ ልምዓትን ኣገልግሎታትን ኣብ ከይዲ ከምዝመዓራረዩ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፋ መራሕቲ ቢዝነስን ፖለቲካን ዝተፈላለያ ሃገራት፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዝኸደቶ ረሕቐት ንኢዶም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.