Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ስርናይ ንምልኣኽ ዘኽእል ስምምዕነት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ፍርያት ስርናይ ንምልኣኽ ዘኽእል ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ስምምዕነት ተገይሩ።

እቲ ስምምዕነት ተበፂሑ ዘሎ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ዕላዊ ዑደት ምስ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበሩዎ ዘተ ኢዩ፡፡

ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ኬንያ ከምዝሓበሮ÷ እቲ ስምምዕነት ቀረብ ፍርያት ስርናይ ኣብ ኬንያ ዘጋጠመ ናህሪ ዋጋ ፍርያት ምግቢ ንምርግጋእ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ።

ካብ ስምምዕነት ቀረብ ስርናይ ብተወሳኺ፤ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ንምጥቃም ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ እውን ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.