Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንምድሓን ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ንምድሓንን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝኸፈቶ ኲናት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንምጥያሽ ትማሊ ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ ግብሪ ተኻይዱ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ፣ ዝተፈላለዩ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ልዕሊ 1 ነጥቢ 540 ሚሊየን 700 ሺሕ ብር ምእካብ ከመዝተኽኣለ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ሓደ ፀሓይ ካብ ሞንጎ ዝተኣከበ ገንዘብ ማሕበር ባንኪታት ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 23 ሚሊየን 581 ሺሕ ብር ሓገዝ ገይሩ፡፡

ዝተረፈ ድማ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ፣ ዝተፈላለዩ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ከምኡ እውን ውልቀ ሰባት ድጋፍ ምግባሮም ካብ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘሰናድኦን ኣብ ሆቴል ሸራተን ኣዲስ ዝተኻየደን መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ መተሓባበሪ ስራሕቲ ህንፀት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሌተናል ጀኔራል ባጫ ደበሌ፣ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ዶክተር ኣብርሃም በላይ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ሰብ ሃፍቲን ተሳቲፎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ኩሉ ዜጋ ብዘለዎ ዓቕሚ ሃገሩ ሓጊዙን ሓሊዩን ናይ ምስጋር ሓላፍነት ኣለዎ ኢሎም።

ገንዘብ ዘለዎ ብገንዘቡ፣ ፍልጠት ዘለዎ ብፍልጠቱ፣ ጉልበት ዘለዎ ብጉልበቱ፣ ሕድ ሕድ ሰብ ሰፈሩ፣ መንደሩ፣ ክልሉ፣ ሃገሩ ሓሊዩ ኢትዮጵያ ናይ ምስጋር ሓላፍነት ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ብዝተሓባበረ ቅልፅም ዝተኣወጀልና ወፍሪ ንምፍሻል ብዝተሓባረ ቅልፅም ሰላምና ንምርግጋፅ ብሓባር ጠጠው ምባል ይግባእ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.