Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ተቐበልቲ ሃገራት ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን መሓዙትን ፅዕንቶን ሓላፍነትን ብምሽካም መምርሒ ስደተኛታት ተቐበልቲ ንዝኾና ሃገራት ጭቡጥ ሓገዝ ንኽገብሩ ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪባ፡፡

መበል 74 ኣኼባ ፈፀምቲ ስራሕ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውሕመ ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቫ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ብዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን ወይዘሮ ጠይባ ሐሰን ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ እናተሳተፈ ይርከብ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋን ርእሲ ምኽኣልን ስደተኛታት እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ኣመልኪቱ ዝተመዝገቡ ዓወታት፣ ዘጋጠሙ ፈተናታትን ኣብ ቀፃሊ ዝሳለጡ ተግባራትን ወይዘሮ ጠይባ ኣብቲ መድረኽ ብዝገበረኦ መደረ ኣብሪሀን፡፡

ኢትዮጵያ ናብ ሓደ ሚሊየን ዝፅግዑ ስደተኛታት ዑቕባ ሓተቲ ብምትእንጋድ ከቢድ ሓላፍነት እተዋፅአ ከምዝኾነት እውን እተን ዋና ዳይሬክተር ኣልዒለን፡፡

ኣብቲ ዞባ ብዘሎ ጎንፂ ናብታ ሃገር እናግዓዙ ምስ ዝርከቡ ስደተኛታትን ዑቕባ ሓተትቲን ተተሓሒዙ ዘጋጠመ ኩነታት መስመር ንምትሓዝ ዝተዋደደ ምላሽ ከምዝጠልብ ገሊፀን፡፡

ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን መሓዙትን ንዝገበሩዎ ሓገዝ ምስጋና ብምቕራብ÷ ኣብ ቀፃሊ እውን ፅዕንቶን ሓላፍነትን ብምሽካም ንስደተኛታት ንተቐበልቲ ሃገራትን ጭቡጥ ሓገዝ ንኽገብሩ ሓቲተን።

ልኡኽ ኢትዮጵያ ጎና ጎድኒ እቲ ኣኼባ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ልዝብ እናገበረ ከምዝርከብ ካብቲ ግልጋሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.