Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተሳተፈትሉ ውድድር ካራቴ ጄ ኬ ኤስ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተሳተፈትሉ ውድድር ካራቴ ጄ ኬ ኤስ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ።

ኣብ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፅዋዕ ኣፍሪካ እስያ ውድድር ካራቴ ጄ ኬ ኤስ (jks) ተሳተፍቲ ዝኾኑ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ተወዳደርቲ ሜዳሊያ ረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ ብ60 ኪሎ ግራም ዝተወዳደረ ናትናኤል በየነ ንሃገሩ ሜዳሊያ ወርቂ እንተመዝግብ÷ ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ኤፍሬም ኣደምን ኣስቻለው ክብሩ ብ84 ኪሎ ግራምን ድማ ተሸለምቲ ሜዳሊያ ነሓስ ኮይኖም።

ኣብቲ ውድድር ካብ 29 ሃገራት ዝተውፃእፅ ስፖርተኛታት እናተሳተፉ ይርከቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.