Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ዝሕግዛ ድርድር ኣብ ወርሒ ጉንበት ክተካይድ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ዝሕግዛ 5ይ ዙር ድርድር ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጉንበት ከምተካይድ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ምንቅስቓስ ዝጀመረት ይኹን እምበር፤ እቲ ድርድ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተቛሪፁ ምፅንሑ ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ዝጀመረቶ ፃዕሪ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ካብ ዘቋረፀቶ ድርድር ክቕፅል ንምግባር ዝተፈላለዩ ተግባራት እናወገነት ከምዝኾነት ገሊፆም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2015 ዓ.ም ናብ ጄኔቫ ብምምራሕ ምስ ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣብቲ ጉዳይ ጠሚቶም ከምዝተዛተዩ ኣዘኻኺም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ኢትዮጵያ ድርድር ንምግባር ድሌት ምስ ዘለወን 180 ዝኾና ኣባል ሃገራት ሕቶታትን 9 ሰነዳትን ከምዝቐረቡ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ትካል ኣብ ዘመቻችዎ መድረኽ ድርድር ከምዝጅመር እቶም ሚኒስትር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.