Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣባል ዓለም ለኸ ትካል ፓስፖርት ሎጂስቲክስ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብማሕበር ኣተሓላልቲ ኣቑሑትን ወኪላት መርከብን ኢትዮጵያ ኣቢላ ኣባል ዓለም ለኸ ትካል ፓስፖርት ሎጂስቲክስ ኮይና።

ዓለም ለኸ ፓስፖርት ሎጂስቲክስ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣወውሮፓውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ  ዳቮስ ኣብ ዝተኻየደ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ዝተመስረተ ትካል ኢዩ።

እቲ ትካል ዓለም ለኸ ትካላት ንግዲ ምስ ኣሰራርሓ ስርዓት ሎጂስቲክስ ንምትእስሳር ከምኡ እውን እናዓበያ ንዝርከባ ዕዳጋታት ዝተፈላለዩ ዕድላት ንምፍጣር እናሰርሐ ይርከብ።

ዱባይ ቀንዲ ማእኸል መራኸቢት ብምግባር ድማ ኣፍሪካ፣ እስያን ላቲን ኣሜሪካን ብምርኻብ ቅልጡፍ መርበብ ሎጂስቲክስ ንምፍጣር ትኹረት ምግባሩ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ኢትዮጵያ ብማሕበር ኣተሓላልቲ ኣቑሑትን ወኪላት መርከብን ኢትዮጵያ ኣይተ ዳዊት ውብሸት፥ “ኢትዮጵያ በቲ ማሕበር ኣቢላ ኣባል ኮይና ኣላ” ኢሎም።

ኣባል ብምዃና ድማ ኣብ ዓለም ለኸ ለውውጥ ንግዲ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምርካብን ተረባሒት ዝሐሸ ምትእስሳር ቀረብን ከምዝገብራ ገሊፆም።

ምስ ላቲን ኣሜሪካን እስያን ርክብ ንግዲ ንምጥንኻርን ኢትዮጵያ እውን ካብ ክልቲአን ኣህጉራት ዓቢዪ ብፅሒት ሓበራዊ ዕዳጋ ተረባሒት ንኽትከውን ከምዘኽእላ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.