Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክ ዘለዋ ልምዲ ንማላዊ ርኡይ እታወት ኢዩ – ኤምባሲ ማላዊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክ ኣብ ሓፂር እዋን ዘደንፈዐቶ ልምዲ ንማላዊ ርኡይ እታወት ከምዝኾነ ኤምባሲ ማላዊ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትራንስፎርሜሽንን ዋና መካየዲ ስራሕን ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታ ኢንዱስትሪ ፍፁም ከተማ ምስ ተወካሊ ኤምባሲ ማላዊ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቫንስ ቺሳሱላ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያ ኢንዱስትሪ ፓርክታ ብምህናፅን ብምልማዕን ዘለዋ ልምዲ ማላዊ ንእተሓስቦ ህንፀትን ልምዓትን ኢንዱስትሪ ፓርክታት ርኡይ እታወት ከምዝኸውን ኢቫንስ ቺሳሱላ ገሊፆም።

እቲ ኮርፖሬሽን ኢንዱስትሪ ፓርክታት ብምህናፅ፣ ብምልማዕን ብምምሕዳርን ዘኻዕበቶ ልምዲ መሰረት ብምግባር ኣብ ማላዊ ዝሕሰብ ልምዓት ጋህዲ ንምግባር እታወታት ዝኾኑ ዝርዝር ጉዳያ ኣልዒሎም፡፡

ኣብቲ ዓውዲ ምስ መንግስቲ ማላዊ ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ልኡኽ ማላዊ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ሃዋሳን ቦሌ ለሚን ዑደት ኣካይዱ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.