Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 39 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ልቓሕን ሓገዝን ከምዝረኸበት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 2012 ዓ.ም 39 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ልቓሕን ሓገዝን ከምዝረኸበት ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ገንዘብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እቲ 16 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ካብ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ብልቓሕ ዝተረኸበ ኢዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ  9 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ብመልክዕ ልቓሕን ሓገዝን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ዝተረፈ ድማ ብመልክዕ ሓገዝ ዝተረኸበ ገንዘብ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 2012 ዓ.ም ንመፈፀሚ ፕሮጀክትታትን መርሃግብሪታትን ልምዓት ዝውዕል 29 ነጥብ 2 ቢሊየን ብር ብልቓሕ ካብ ዓለም ለኻዊ ትካል ፋይናንስን በየነ መንግስታትን ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.