Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ “ኮምፓክት ዊዝ ኣፍሪካ” ተደማፅነታ እናሓየለ ምምፅኡ ዝተረጋገፀሉ መድረኽ ነይሩ-ኣይተ ማሞ ምህረቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ “ኮምፓክት ዊዝ ኣፍሪካ” ተደማፅነታ እናሓየለ ምምፅኡ ዝተረጋገፀሉ መድረኽ ነይሩ ክብሉ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ገሊፆም።

እቲ ጉባኤ ጀርመን ብሓፈሻ ሃገራት ኣውሮፓ ምስ ኣፍሪካ ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ድልድል ዝፈጠረ ኢዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ጀርመን ዝነበሮም ፃንሒት ዝጠመተ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ምስ መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሓቢርካ ንምስራሕ ስምምዕነት ዝተገበረሉ ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ጀርመን ኣብ 2030 ዓ.ም.ፈ “ኢዩ ኣፍሪካ ግሪን ኢነርጂ ኢኒሼቲቭ” 4 ቢሊየን ዩሮ ከምእትስልዕ ቃል ምእታዋ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ኢትዮጵያ ተረባሒት ከምእትኸውን ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝኸደ ልኡኽ መንግስቲ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራትን ትካላት ፋይናንስን  ንምዝርራብን ምዝታይን ዕድል ዝሃበ ጉባኤ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣረኣእያ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ከምዝኾነ ንምግላፅ ዕድል ዝሃበ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ “ኮምፓክት ዊዝ ኣፍሪካ” ተደማፅነታ እናሓየለ ምምፅኡ ዝተረጋገፀሉ መድረኽ ከምዝነበረ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.