Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ክልተ ውድድራት ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ ንኽተተኣናግድ ተሓሪያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ክልተ ውድድራት ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ ንኽተተኣናግድ ብማሕበር ኩዕሾ እግሪ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ ከምዝተሓረየት ተገሊፁ።

ቤት ምኽሪ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኬንያ ኣብ ዘካዶ ጉባኤ ኢዩ ኢትዮጵያ እቶም ውድድራት ንኽተተኣናግድ ከምዝተመረፀት ዝሓበረ፡፡

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ውድድር ሻምፒየንስ ሊግ ሴካፋ ኩዕሾ እግሪ ደቂ ኣንስትዮን ውድድራት ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮን ክተተኣናግድ ኢያ።

ዩጋንዳ መፃረዪ ፀወታ ትሕቲ 17 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዋንጫ፤ ታንዛኒያ መፃረዪ ፀወታ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ኣፍሪካን ዛንዚባር ዋና ውድድር ሴካፋን መፃረዪ ፀወታ ኣቢያተ ትመህርቲ ኣፍሪካን ንኸተኣናግዳ ዝተመረፃ ሃገራት ኢየን።

ብወርቅነህ ጋሻሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.