Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዘጋጠማ እዋናዊ ፀገም ንምፍታሕ እትገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ኢዩ -ኣምባሳደር ጃፓን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘጋጠማ እዋናዊ ፀገም ንምፍታሕ እትገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ኢዩ ክብላ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢቶ ታካኮ ገሊፀን።

እተን ኣምባሳደር ጉዕዞ ልምዓት ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ምስ ጃፓንን ካልኦት ሃገራትን ዘለዋ ረኽቢ ካብ እዋን ናብ እዋን ይምዕብል መህላዉ ንኢደን።

ከይዲ ምኽባር ላእላውነት ሃገር እታ ሃገር ምስ ዝገጠማ እዋናዊ ኩነታት ኣንፃር ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላው ከመዝኾነ ተገንዚብና ኢና ኢለን።

ኢትዮጵያ ሐዚ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ፀገም ክትሓልፎ ኢያ እውን ኢለን።

ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፀገማት ኩሎም ተወጊዶም ሓዱሽ ዓመት ናይ ሰላም፣ ልምዓት፣ ፍቕሪን ሓድነትን ንክኾነሎም ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.