Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫረስ ኮሮና ንምዕጋት ዶባታ ካብ ዝውውር ሰባት ዓፂያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝርገሐ ቫረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ንምዕጋት ኩሎም ዶባታ ኢትዮጵያ ካብ ዝውውር ሰባት ከምዝተዓፀዉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

እቲ ምዕፃው ዶብ፥ ቀረብ ሎጂስቲክስ ንምቕራብ ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዘየሓውስ እውን ገሊፆም።

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ገምጋም ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ሕብረተሰብ ተራሓሒቑ ንኽንቀሳቐስ ዝተመሓላለፈ ምልእኽቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ብግቡእ እናተፈፀሙ ከምዘይኮነ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ትካላት እምነት ዝነበረ መርሃ-ግብሪ፥ እኹል ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ከምዘይተወሰደ እውን ተገምጊሙ ኢዩ።

መራሕቲ ሃይማኖት፥ ንምእመናት ካብ ዝህቡዎ ትምህርቲ ብተወሳኺ ናይ ተግባር ስጉምቲ ንኽወስዱ መተሓሳሰቢ ተመሓላሊፉ ኣሎ።

ኣብ ቀፃሊ ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ክእከቡሎም ዝኽእሉ ከም ኣቢያተ መስተ፣ ናይ ምሸት መዘናግዒ ከምኡ እውን መቕሓሚ ጫትን ዝበሉ ቦታታት፥ ሓይሊታት ፀፅታ ልዑል ስጉምቲ ንኽወስዱ እውን ኣንፈት ተቐሚጡ ኢዩ።

ምስ ኣኼባታት ተተሓሒዙ፥ ትካላት መንግስቲ ኣኼባ ከየካይዱ ዝብል ማዕቐብ ዋላ ኣየሃሉ እምበር ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ግን መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣቢያተ ዕዮ መንግስቲ ናይ ሰባት ንኽክእ ንምንካይ ከከም ኩነታት ናይተን ኣቢያተ ዕዮ ተራኢዩ ሰራሕተኛታት ብኽፋል ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ዝሰርሑሉ መገዲ ንኸመዓራርዩ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ኮቪድ-19፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 11 ሰባት ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ግን ብኣማኢት ክዓቢ ስለዝኽእል ኩሉ ሰብ ጥንቃቐ ንኽገብር ፃውዖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ቫረስ ኮሮና ንምግታእ ብብርኪ ሃገር ለኸ ልዕሊ ብር 5 ቢሊየን ተሰሊዑ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ዝቕል እውን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ተወሳኺ ሃፍቲ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ባንኪ ዓለምን ውድብ ሕቡራት መንግሳታትን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ካብ ሓደጋ ንምውፃእ ብቕልጡፍ 100 ቢሊየን ዶላር ክምድቡ እንተዘይክኢሎም፥ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ሓደጋ ክወድቕ ከምዝኽእል እውን ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ሓዊሱ ምስ ካልኦት ሓገዝቲ ሃገራትን ትካላትን ብብርኪ መራሕቲ ዘተ እናተገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ምርኣዩ ስዒቡ ኣብ ሸቐጣት ዘይግቡእ ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩ ነጋዶ ዝውሰድ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣፍሊጦም።

ብኣልኣዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.