Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ግብፂ ብምድጋፍ ሊግ ዓረብ ዝሃቦ ውሳነ ሓሳብ ነፂጋቶ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ግብፂ ብምድጋፍ ሊግ ዓረብ ዝሃቦ ውሳነ ሓሳብ ነፂጋቶ።

ሊግ ዓረብ ብብርኪ ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፥ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ቅዋም ግብፂ ብምድጋፍ ውሳነ ሓሳብ ምሃቡ ይዝከር።

እተን ኣባል ሃገራት እቲ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ዝደገፋ እንትኾና፥ ሱዳን ግን ነቲ ቅዋም ነፂጋቶ ኢያ።

ስለዝኾነ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥  ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ግብፂ ብምድጋፍ ሊግ ዓረብ ዘውፀኦ ውሳነ ሓሳብ ክሳብ ሐዚ ክካየዱ ንዝፀንሑ ድርድራት ግንዛበ ዘይሃበ ዕሙት ደገፍ ኢዩ ኢሉ።

ሱዳን ነቲ ኣብ መርህ ዝተደረኸን ብቐፃሊ ንኹሉ ወገን ተረባሒ ዝገብርን ስምምዕነት ምፍፃም ብዝምልከት ዘርኣየቶ ቅዋም እውን ንኢዱ።

ሊግ ዓረብ ድልየት ኩሎም ኣካላት ዘማእኸለን ሓቅነት ዘለዎን ኣካይዳ ክኸይድ ከምዝግባእ ድማ ሓቢሩ።

ነዚ ዝፃባእ እንትኸውን ግን ተኣማንነት እቲ ሊግ ዝቕንስ፣ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ምርግጋዕ ንኽህሉ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ከምዝኾነ እውን እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.