Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ዘሳልጥኡ ሰለስቲኣዊ ዘተ ፅባሕ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥቅምት 16፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ዘሳልጥኡ ሰለስቲኣዊ ዘተ ፅባሕ ከምዝጅምር ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካን ሲሪል ራማፎሳ ኣፍሊጦም።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሃምዶክን ፕሬዚዳንት ግብፂ ኣብዱል ፈታህ ኣልሲሲን ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምክያድ እዩ እቶም ፕሬዚዳንት ነዚ ዝገለፁ።

ፕሬዚዳንት ራማፎሳ፥ ብመንፈስ ምትሕብባር፣ ድልየትን ብኹለ መዳይ ተቐባልነትን ዘለዎ ስምምዕነት ንምግባር ዓሊመን እተን ሃገራት ንዘርኣይኡ ተበግሶ አመስጊኖም።

መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ብደገፍ ሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ኣብ ዝግበር ሰለስቲኣዊ ዘተ ሰላማዊን ኣብ ምትሕብባር ዝተደረኸ መፍትሒ ንምሃብን ልዑል ፖለቲካዊ ቁርፀኝነትን ተበግሶን ከምዘለዎም እውን እቶም ፕሬዚዳነት ገሊፆም።

እዚ ድማ ሰለስቲአን ሃገራት ንሕብረት ኣፍሪካ እምነ ኩርናዕ ንዝኾነ “ንፀገም ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሒ ምሃብ” ኣብ ዝብል ሓሳብ እምነት ከምዘለወን ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ሰለስቲአን ሃገራት ቴክኒካዊን ሕጋዊን ጉዳያት ሓዊሱ ኣብ ዝተረፉ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ክበፅሓ ኢየን ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ዝህሉ ስምምዕነት ቀጠናዊ ውህደት ከምዘቀላጥፍ ዝሓበሩ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ንኣፍሪካ ይኹን ነቲ ቀጠና ቀፃልነት ዘለዎ ልምዓትን ምትሕብባርን ቀሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.