Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ 4ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት ፋይናንስ ብዕዉት ኩነታት ንምትእንጋድ ቆራፅ ኢያ – ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ ዝካየድ 4ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት ፋይናንስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብዕዉት ኩነታት ንምትእንጋድ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ምክትል ዋና ፀሓፊት ውሕመ ኣሚና መሓመድ ምኽክር ገይሮም፡፡

ኣብቲ እዋን ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ፤ ኢትዮጵያ 4ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት ፋይናንስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብዕዉት ኩነታት ንምትእንጋድ ዘለዋ ቆራፅነት ኣረጋጊፆም።

ኣብ ዘተኦም ድማ፤ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ውሕመን ብዛዕባ ዘሎ ኩለመዳይ ምሕዝነትን ቅድሚት ኣብ ዝወሃቦም ጉዳያትን ከምዝዘተዩ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኩነታ ትግበራ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት፣ ኣብ ዝቕፅል ጉባኤ መራሕቲ ውሕመን ኣብ እዋናዊ ኩነታ ምብራቕ ኣፍሪካን ተመያይጦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.