Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ 90 ሚኢታዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፍልፍላ ካብ ፅሩይን ሓምለዋይን ፍልፍለታ ሓይሊ ዝተረኸበ ኢዩ – ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ 90 ሚኢታዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፍልፍላ ካብ ፅሩይን ሓምለዋይን ፍልፍለታ ሓይሊ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ሚኒሰስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ገሊፆም።

መድረኽ ተበግሶ ንብረት ኣየር ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኢትዮጵያ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዘፈልፍሎ ሓይሊ ሓዊሱ 90 ሚኢታዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፍልፍላ ካብ ፅሩይን ሓምለዋይን ፍልፍለታ ሓይሊ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ልዑል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ የሃልዋ እምበር÷ኣብዚ ሕዚ እዋን ትሕቲ ሰሃራ ካብ ሞንጎ ዝርከባ ሃገራ ትሑት ቀረብ ሓይሊ ከምዘለዋ ገሊፆም፡፡

ዝማዕበላ ሃገራት ምልቃቕ ሙቐት ዝዓግቱ ጋዛት ንምንካይ ዝኣተወኦ ቃል ንኸኽብራ ምሕታቶም ካብ ሚነሲቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.