Fana: At a Speed of Life!

ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ብ7 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ክዓቢ ኢዩዝብል ትፅቢት ኣሎ – ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ብ7 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዝምዝገበሉ ከምዝኾነ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ከምዘመላኽት ተሓቢሩ።

ሓፈሻዊ ገምጋም ኣፈፃፅማ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ድማ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ቀንዲ ቀንዲ ዓውዲታት ማክሮ ኢኮኖሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ጫመት ቀሪቡ ልዝብ ተገይሩሉ።

እቲ ሪፖርት ዘቕረባ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ÷ ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ 6 ነጥቢ 4 ኢታዊ ዕቤት ከምዘመዝገበ ኣዘኻኺረን።

ኣብ በጀት ዓመት እዚ ዓመት ድማ ብ7 ነጥ 5 ሚኢታዊ ዕቤት ዝምዝገበሉ ከምዝኾነ ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መበገሲ ብምግባር ኣብሪሀን።

ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓማት ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ኣመላኸትቲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተመዝገቡ ውፅታት ድማ ክምዝገብ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ንዝግበር ዕቤት ጋህዲ ከምዝኾነ ዘመላኽቱ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን።

ዘፈር ሕርሻ እቲ ዕቤት ክቕፅል ኣብ ምግባር መሪሕ ታራ ዝተፃወተ ሴክተር ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር÷ እቲ ዓውዲ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 6 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘመዝገበ ገሊፀን።

ዘፈር ሕርሻ ንንግዲ ወፃኢ ብምሕጋዝ ኣብ ዕቤት ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ልዑል ግደ እናተፃወተ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

“ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ብውሽጣዊን ደጋዊን ፅዕንቶታት ልዑል ፈተና ኣጋጢሙዎ ዝነበረ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኣብዚ ዓመት ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከመዝግብ ክኢሉ” ኢለን።

እቲ ዓውዲ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዙሓት ፈተናታት ተፃዊሩ 8 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘመዝገበ ገሊፀን። ካብ ታክሲን ታክስ ዘይኮኑ ፍልፍላትን ዝርከብ ኣታው ውሽጢ ሃገር እውን ልዑል ኣፈፃፅማ ካብ ሞንጎ ዘመዝገቡ ዓውዲታት ዝፅራሕ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ኣፈፃፅማ ንግዲ ወፃኢ ዝተወሰነ ምንካይ የርኢ እምበር ካብቲ ዓውዲ 1 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ብምሕባር፤ ኣፈፃፅማ ምስ ትልሚ እንትነፃፀር 77 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ዶክተር ፍፁም ኣብሪሀን።

ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘሎ ዋጋ ፍርያት ተገማቲ ዘይምዃኑ፣ ዘይሕጋዊ ንግዲን ምስፍሕፋሕ ኮንትሮባንድን÷ ኣብ ምትእስሳር ንግዲ ዘለዉ ማሕለኻታትን ካልኦት ፀገማትን ዘፈር ወፃኢ ንግዲ ፈተናታት ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

ኣብ መንፈቕ ዓመት እቲ በጀት ዓመት 1 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ዘውፅእ ቀጥታ ኢንቨስመንት ምስሓብ ከምዝተኸኣለ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ብፍላይ ዘፈር ኢንዱስትሪ ኣብ ምንቕቓሕ ዕዙዝ ግደ ከምዘበርክት ገሊፀን።

ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ብብርኪ ሃገር ብሓፈሻ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ንዝኾ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ምግላፀን እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.