Fana: At a Speed of Life!

ኣልጀሪያን ደቡብ ሱዳንን ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ባህጊ ከምዘለወን ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣልጀሪያን ደቡብ ሱዳንን ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ባህጊ ከምዘለወን ገሊፀን።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፥ ምስ ኣምባሳደር ኣልጀሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ራቻድ ቢሎንስ ተዛቲዮም።

ኣይተ ታገሰ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብፖለቲካ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዓውዲታት ተጠናኺሩ ንክቕፅል ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ኣልጀሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ራቻድ ቢሎንስ ብግደኦም፥ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ሓቢራ ንምስራሕ ድልየት ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ርክብ ወፃኢን ጉዳያት ሰላምን እቲ ባይቶ ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ምስ ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ጀምስ ፒታን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ዛዕባ ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ዶክተር ነገሪ ሌንጮ፥ ኢትዮጵያ እወንታዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ብዓውዲታት ንግድን ኢኮኖሚን፣ መሰረተ-ልምዓት፣ ኢንቨስትመንትን ፀፅታን ምስ ደቡብ ሱዳን ምስራሕ ከምእትደሊ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ሃገራት ተፋሰሰ ናይል ብዘይጎድእ መገዲ ግድብ ህዳሰ ትሃንፅ ከምዘላ ብምግላጽ፥ ሱዳንን ግብፅን ዘልዕልኡ ቅርታ ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ጀምስ ፒታን፥ ደቡብ ሱዳን ከም ሃገር ክትምስረት እንተላ ኢትዮጵያ ብመንፅር ምኽባር ሰላም ደገፍ ከምዝገበረት ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ገበን ንምክልኻልን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ዓሊማ ደቡብ ሱዳን ንዜጋታት ኢትዮጵያ ታሴራ ተህብ ከምዘላ ገሊፆም።

 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.