Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከካይድዎ ዝፀንሑ ውድባዊ ኮንፈረንስ በዓል 7 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምድማፅ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ ) ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንክልተ መዓልታት ከካይድዎ ዝፀንሑ ውድባዊ ኮንፈረንስ በዓል 7 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምድማፅ ተዛዚሙ።

እቲ ኮንፈረንስ “ ኣብ መገዲ ብልፅግና ክጓዓዝ ዝኽእል ኣመራርሓ ንህነፅ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ዝመፅአ ለውጢ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምኡውን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት፣ ኣብቲ ከይዲ ዘጋጠሙ ፀገማትን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ብዝምልከት ዘተ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህዝቢ ብዝተወደበ መገዲ ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ብምእታው እታ ከተማ ናይ ምዝማንን ናብራ ነበርቲ ዘመሓይሹ ድኻ ተኮር መርሃግብሪታት ብምቕራፅ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።’

ከምኡውን ናይ መወዳእታ ሸቶ ምንቅስቓስ ለውጢ ተገይሩ ዝውሰድ ኩለመዳያዊ ምዕባለ ብምርግጋፅ ናብራ ህዝቢ ምምሕያሽ፣ ምንጋስ ዴሞክራሲ፣ ሰናይ ኣገልግሎት መንግስቲ ብምቕራብ ንነበርቲ እትጥዕምን ተመራፂትን ኣዲስ ኣበባ ምፍጣር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.