Fana: At a Speed of Life!

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ብምዃን ዘገልገሉ ሙሁር ስነ ቑጠባ ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንብዙሕ ዓመታት ኣማኻሪ ስነ-ቁጠባ /Economist/ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ብምዃን ዘገልገሉ ላዕለዋይ ሙሁር ስነ ቑጠባ ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ካብዚ ዓለም ተፈሊዮም።

ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ፣ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ ሕክምና ፀኒሖም ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ከምዝዓረፉ ተገሊፁ።

እቶም ሙሁር፥ ካብ 1970ታት ጀሚሮም ኣብ ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያን ኮሞሽን ፕላንን እውን ኣገልጊሎም ኢዮም።

ኣይተ ንዋይ ካብ ጉዳያት ኢኮኖሚ ኣማኻሪነቶም ብተወሳኺ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ልምዓት ኢትዮጵያ ብምዃን እውን ኣገልጊሎም።

ኣብ ውሽጢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ድማ ብኣማኻሪነት ኣገልጊሎም።

ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪኦም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ተኸታቲሎም።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ብሞት ንዝተፈለዩ ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ብሽም መንግስትን ህዝቢን ትግራይ ገሊፁ።

“ሕልፈት ናይቶም ሙሁር ስነ ቑጠባ ንህዝብናን ዓድናን ዓብይ ጉድኣት እዩ” ዝበለ እቲ ቢሮ፥ ንመላእ ስድራ ቤቶም፣ ፈተውቶምን ህዝቢ ትግራይን ምፅንዕናዕ ተመኒዩ ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.