Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ተጠናኺሩ ክቕፅል ንምግባር ቆራፅ ኢያ – ኣምባሰደር ጊታ ፓሲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ተጠናኺሩ ክቕፅል ንምግባር ቆራፅ ከምዝኾነት ኣምባሰደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ ኣፍሊጠን።

በተን ኣምባሳደር ዝተመርሐ ልኡኽ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳን ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳን ዑደት ገይሩ።

እተን ኣምባሳደር ድሕሪ ዑደተን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ብፍርያት ዓለባ ብመንግስቲ ዝተሃነፀ ፈላማይ ፓርክ ከምዝኾነ ከምዝፈልጣ ተዛሪበን።

ኣብቲ ፓርክ ኣሜሪካዊ ኩባኒያ “ፒ. ቪ. ኤች ” ሓዊሱ ብዙሓት ኣፍረይቲ ኩባኒያታት ዝርከቡሉ ከምዝኾ ከምዝተረዳኣ እውን ገሊፀን።

ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርክ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዕድል ስራሕ ምርካበን ብምዕዛበን ከምዝተሓጎሳ ዝገለፃ እተን ኣምባሳደር፥ ምስተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ከምዝተዘራረባ ኣብሪሀን።

ስረሐን ተረጋጊዐን ምስላጥ ንኽኽእላ ብትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ኣቢሉ ብኸመይ ክሕገዛ ከምዝኽእላ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ከምዝተዛተያ ገሊፀን።

ብፍላይ ኣሜሪካ ትሕቲ ሰሃራ ንዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ዝፈቐደቶ ፍርያተን ካብ ቀረፅ ናፃ ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ንኸእትዋ ዝሕግዝ ስምምዕነት “ኣጎዋ” ኣብ ህይወት እተን ሰራሕተኛታት ዘለዎ ሰናይ ኣስተዋፀኦ ኣብቲ ዑደት ከምዝተገንዘባ ተዛሪበን።

“ሰራሕተኛታት እቲ ፓርክ ብዝተፈጠረለን ዕድል ስራሕ ሕጉሳት ምዃነን ምስማዕ ዘሕጉስ ኢዩ” ዝበላ እተን ኣምባሳደር፥ ኣብ ህይወት እተን ሰራሕተኛታት ዝተፈጠረ ለውጢ ምጥንኻር ግቡእ ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኣብዝነበረን ፃንሒት ኣብ ክበብ ሰላም ተምሃሮ ዑደት ዝገበራ እንትኾና፥ ሕድሕድ ርክብ ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንምጥንኻር እናተገበረ ዝርከብ ፃዕሪ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ተጠናኺሩ ክቕፅል ንምግባር ቆራፅ ከምዝኾት ኢየን ኣምባሰደር ጊታ ፓሲ

ኣብ መግለፂአን ዘፍለጣ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.