Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ እትገብሮ ሰብዓዊ ደገፍ አጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ-ኣምባሳደር ጊታ ፓሲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣሜሪካ እትገብሮ ሰብዓዊ ደገፍ አጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብላ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ ገሊፀን።

ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ተዛቲየን።

እቲ ሚኒስቴር ከይዲ ህንፀት ሃገርን ዴሞክራሲን መሰረቱ ንክፀንዕ ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ብዝምልከት እተን ሚኒስቴር ኣብሩሀን።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ዘጋጠሙ ፀገማት ንምቕራፍ ደገፍ ሰብኣዊ ሓገዝን ዜጋታት መሊስካ እግሪ ንምትካልን ዝግበሩ ዘለዉ ስራሕቲ ብዝምልከት መብርሂ ከምዝሃባ ካብቲ ቤት ዕዮ ዛረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣምባሳደር ፓሲ ብግደአን፥ ብኣሜሪካ ዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.