Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደራት ንበዓል ፋሲካ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲታትን ኣምባሳደራትን ዝተፈላለያ ሃገራ በዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ንተኸተልቲ እምነት ክርስትና መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም።

ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጌኒ ተርኪሂን፥ “በዓክ ፋሲካ መግለፂ ሓዱሽ ህይወትን ሓዱሽተስፋን ኢዩ” ክብሉ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ገሊፆም።

“ኣብዚ ብሩህ በዓል ንኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣሓተይን ኣሕዋተይን ሰላም ክምነ ይፈቱ” ኢሎም።

በዓል ፋሲካ  በዓል ሰላም፣ ሓጎስን ምዕባለን ንኽኸውን ሰናይ መልእኽቲ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣምባሳደር እስራኤል ኢትዮጵያ፣ ኤምባሲታን ኣምባሳደራትን ብሪታኒያ፣ ኔዘርላንድስ፣ ዴንማርክ፣ ኢራን፣ ሜክሲኮ፣ ኣሜሪካ፣ ጀርመን፣ ጣልያን፣ ፓኪስታን፣ ስሪላንካን ኦስትሪያን እውን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ በዓል ትንሳኤ ናይ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓጎስን ፍሰሃን ንኽኸውን ተመኒዮም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.