Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኩባኒያታት ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ኩባኒያታት ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩ ሓቲቶም።

ኣብ ጃፓን ዘሎ ሚሲዮን ኢትዮጵያ ዘሰናድኦ ሴሚናር ነግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ-ጃፓን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸብሉ ተሳሊጡ።

ካብ ኢትዮጵያ 15 ካብ ጃፓን 105 በድምሩ 120 ተወከልቲ ኩባኒያታት ተሳቲፎም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ፥ እቲ መድረኽ ንዓመታት ዝፀንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኢኮኖሚ እውን ተጠናኺሩ ንክቕፅል ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ከብ ንምባል ትሰርሕ ከምዘላ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ኩባኒያታት ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩ ሓቲቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.